ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ንህንፀት ፕሮጀክት ማይ ከተማ መቐለ ዝቐረበ በጀት ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣታዊ ፣ በጀትን ፋይናንስን ተመሪሑ ፡፡

ባንኪ ኢምፖርት ኤክስፖርት ቻይና ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት 229 ሚልዮን 784 ሽሕን 582 ዶላር ኣሜሪካ ንምልቃሕ ቅድሚ ኣዋርሕ ከም ዝፈቐደ ይዝከር ፡፡

ረቒቕ እቲ ኣዋጅ ደንጉዩ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ እንትኾን ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምቕራቦም ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ ፡፡

ካብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት “ፀገም ማይ እታ ከተማ ብተደጋጋሚ ቀሪቡ ውሳነ ዝተወሃቦም ፕሮጀክትታት ብምንባሮም እቲ ዝቀደመ ገንዘብ ናበይ ኣትዩ ?  ካልኦት ተመሳሳሊ ፀገም ዘለወን ከተማታት ሕቶ ኣቐሪበን መቐለ ከመይ ተመሪፃ ? እቲ ባይቶ ኣብዚ ዓመት ፕሮጀክት ከይጅመሩ ወሲኑ እናሃለወ ናይ መቐለ ፕሮጀክት ምቕራቡ ኣግባብነት የብሉን” ዝብሉ ይርከብዎም ፡፡

ድሕሪ ዝርርብ 16 ተዓቅቦ ድምፂ ፣ 4 ተቓውሞ ኣብዝሓ ድጋፍ እቲ ረቒቕ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣታዊ ፣ በጀትን ፋይናንስን ተመሪሑ ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of