ባንኪ ዓለም ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ ዝዉዕል 12 ቢሊዮን ዶላር ህፁፅ ሓገዝ ለጊሱ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  25/06/2012)

 ባንኪ ዓለም ብሰንኪ ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ [ኮቪድ-19] ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ከብፅሖ ንዝኽእል ሃስያ ዝሕግዝ 12 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ክልግስ’የ ኢሉ።

እዚ ህፁፅ ሓገዝ ትሑት ዋጋ ልቓሕ ቴክኒካዊ ሓገዝን ረድኤትን ዘጠቓለለ ከምዝሖነ ዝሓበረ ባንኪ ዓለም  ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቕልጡፍ ዝርገሐ ዝዛመት ዘሎ  ቫይረስ ኮሮና [ኮቪድ-19]  ከሕድሮ ንዝኽእል ቑጠባዊ ፅልዋ ንምሕጋዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡

 ሃገራት ነዚ ቅልውላው ንምክልኻል ዘኽእለን ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽን ቑጠባዊ ፅልዋ ንምንካይ ምስ ናይ ብሕቲ ትካላት ክሰርሓን ዝውዕል’ዩ ዝበለ ባንኪ ዓለም እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ውሽጢ ዘለዋን ድኻታት ንዝኾናን ሃገራት ከምዝምልከት ተሓቢሩ’ሎ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።


0