ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 43 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ዝግመቱ ማሽናት ብልቓሕ ናብ ተጠቀምቲ ከምዘመሓላለፈ ገሊፁ።

ኣቦወንበር ጉጅለ ምፅዳቕ ፕሮጀክት እቲ ባንኪ ኣይተ መጎስ ኣርኣያ ከምዝበልዎ፥ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ማኒፋክቸሪንግን ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ንዝተዋፈሩ ነጋዶ ብሊዝ ፋይናንስ ልዕሊ 43 ሚልየን ብር ዝግመቱ መሽናት ብልቓሕ ተዋሂቡ።

እቶም ፕሮጀክታት 8 እንትኾኑ፥ እቶም ተረባሕቲ መለለይ ካርዲ፣ መስርሕን መሸጥን ቦታን ንግዲ ፍቓድን ዝሓዙ እዮም ኢሎም። እቲ ባንኪ ብሊዝ ፋይናንስ ካብ 500 ሽሕ ክሳብ 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ማሽን ካብ ወፃኢ ሃገር ኣምፂኡ ከም ዝህብ ድማ ኣይተ ሞጎስ ተዛሪቦም።

ብዋናነት ቢዝነስ ፕላኖም ኣዋፃኣይ ንዝኾኑ ነጋዶ ልቓሕ ሊዝ ፋይናንስ ከምዝወሃብ ‘ዉን ሓቢሮም። እቲ ባንኪ ቅድሚ ሐዚ ነተን መሽናት ንምምፃእ ምድንጓያት የርእይ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ኣካያዲ ስራሕ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ምስ መቕረብቲ ኣካላት ብምዝርራብ ኣብ ሓፂር እዋን እተን መሽናት ምምፃእ ተኻኢሉ ኢሎም።

ብተወሳኺ ካብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ጀሚሩ ንዝመፅኡ ቢዝነስ ፕላናት ቀልጠፍካ ንምዝዛም ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

28/05/2011

Leave a Reply

Your email address will not be published.