በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ተወሲኑ

(ኤፍኤምመቐለ  02/04/2012ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ]፡ ንሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቅርሲ ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝተወሰነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ዩኔስኮ ኣብ ኮሎምቢያ [ቦጎታ] ኣብ ዘካይድኦ ዘሎ መበል 14 ኣኼባ ኮሚቴ ሓለዋን ዕቀባን ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት፡ በዓል ጥምቀት ዝርከቦም ሓሙሽተ ሓድግታት ክምዝገቡ ውሳነ ኣሕሊፉ ከምዘሎን በዓል ጥምቀት፡ ብሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓትን ምድላውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ስለዝኽበር  እዚ ሃይማኖታዊ በዓል ኣብ መዝገብ ዘይድህሱ ሓድጊታት ዓለም ዩኔስኮ ንምምዝጋብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝሓተትዎ መሰረት ተቐባልነት ረኺቡሎ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣደባባይ ብድምቀት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዯጵያ እዩ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of