በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሓፋሻዊ ጉባኤ መንበረ ፖትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርሰቲያን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012)እቲ ንመበል 38 ግዘ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካብ ሎሚ 5 ጥቅምቲ ዝጀመረ እንትኾን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ካልኦት ሊቃነጳጳሳትን ኣካየድቲ ስራሕ ሃገረስብከታትን ተረኺቦም እዮም፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘ-ኣክሱም ወእጨጌ መንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንኩለመዳያዊ ድሕንነት ህዝቢ ምፅላይ ምዕባይ ግንዛበን ምምሃርን ካብ እግዝኣብሄር ዝተወሃባ ዝዓበየ ተልእኾ እዩ ኢሎም፡፡

ብፅእነቶም እዛ ሃገር ኣብ ተስፋን ስግኣትን ተቐርቂራ ኣብ ዘላትለን ማእኸላይመሓውር እታ ቤተክርስቲያን ዝፍተነሉ ዘሎ ግዘ ምዃኑ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of