ቅድመ ምድላው ራብዓይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክምዝተዛዘመ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታስቲክስ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሪት ኣበራሽ ታሪኩ 29 መጋቢት ዝጅመር ራብዓይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ስርሓቲ ካርታ፣ መኽዝን ሓበሬታ ፣ምምላእ ሓይሊ ሰብን ሎጀስቲክን ከምዝተዛዘመ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ ቆፀራ 180 ሽሕ ሓይሊ ሰብ ከምዝሳተፍ ዝገለፃ ወይዘሪት ኣበራሽ ካብ ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየደ ቆፀራታት ብዝተፈላለየ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ከም ዝኾነ ገሊፀን፡

ንራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን 3 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር በጀት ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝተመደበን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ 1 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ንክልላት ተኸፋፊሉ ኢለን ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of