ቅዱስ ሲኖደስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብኩሎም ቋንቋታት ኣዶ ሰዓብቲ እቲ እምነት ብቋንቋኦም ንክምሃሩን ንኽግልገሉን ዘኽእል ማእኸል መሰልጠኒ ንምኽፋት ወሲኑ፡፡

ካብ 11 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳለጥ ዝቐነየ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተወሃበ መግለፂ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝረብ ብዙሓት ስዓብቲ ከምዘለውዎ ድሕሪ ምግላፅ ኩሎም ስዓብቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ብቋንቋኦም ንኸገልግሉ ዘኸእል ብኩሎም ቋንቋታት ኣዶ ማእኸል መሰልጠኒ ንምኽፋት ዘኽእል ከምዝወሰነ ሓቢሩ ፡፡


0