ቁፅሪ ኣብ ቤተክርስቲያንን ሆቴልን ስሪላንካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት 290 በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 02/08/2011) ፖሊስ እታ ሃገር ዛጊድ 24 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዐለ ዝገለፀ ኾይኑ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ወፃእተኛታት ብምትእስሳር ዝተፈፀመ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ካብኔን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን እታ ሃገር ገሊፆም፡፡

ካብቶም ዝሞቱ 290 ሰባት እቶም 35 ወፃእተኛታት እንትኾኑ ኣስታት 500 ሰባት ዝተፈላለዩ ጉድኣት በፂሕዎም እዩ፡፡
ስሪላንካ ድሕሪ ምብቃዕ ኩናት ሕድሕድ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ዝኸፍኣ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ እዋን ኣተኣናጊዳ ኣላ፡፡

ስሪላንካ ሎሚ ሰሉስ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኾይኑ ክዝከር ኣዊጃ ኣላ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲን ኣልጀዝራን፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of