ቀንዲ ምኽንያት ቅንፀላ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብንፁር ከይፍለጥ ኣብ ዝካይዶ ዘሎ ግልፅነት ዝጎዶሎ መስርሕ ምፅራይ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ ባዕሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ ፡፡

     (ኤፍኤምመቐለ  19/03/2012)   ብዓልቲ ቤት ስዉእ ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሃገርና ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝኾና ኮነሬል ፅጌ ኣለማዮህ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ብስልኪ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ከምዝገለፀቶ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅንፀላ ዘካየደ ሓለቓ ፲ መሳፍንት ጥጋቡ ከካይዶ ዝፀንሐ ስራሕቲ ምርመራን ዉፅኢቱን ዘጊድ ዝፈልጠኦ ነገር ከምዘይብለንን መንግስቲ ካብ ኣፍልጦ ስድራ ግዳይ ወፃእ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ፣ ደለይቲ ፍትሒን ተዓዘብትን ብዘግለለ መልክዑ ኣብ ዕፁዉ መጋባእያ ጉዳዩ ኽረአ ምግባሩ ብዓይኒ ጥርጣረ ንኽትሪኦ ከምዝተገደደት ኣረዲኣ ፡፡

           እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ይቐርብ ኣሎ ዝተብሃለ ሓለቓ ፲ መሳፍንት ጥጋቡ ከም ዝኾነ ይኹን ሰብ ስድራቤት ግዳይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ምስማዕ ወፃእ ዝሓበራ ኣካል ከምዘየለ ዝሓበረት ኮነሬል ፅጌ ኣለማዮህ መንግስቲ ሐዚ ዘካይዶ ግልፅነት ዝጎዶሎ መስርሕ ነገራት ተሸፋፊኖም ንኽተርፉ ዝዓለመን ኢላ ፡፡

           ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንዝፍፀሙ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ጥፍኣታት ዝፃርየሉን ዝዳንየሉን ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ እንዳሃለወ ንዚ ቀያዲ ወተሃደራዊ መስርሕ ብምጉሳይ ጉዳይ እቲ ተጠርጣሪ  መንግስቲ ባዕሉ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስቪል ፌደራል መጋባእያ ክረአ ምግባሩ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝሓበረት ኮነሬል ፅጌ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ እዋን መግለፂ ንምሃብ ቆፆሮ ድሕሪ ምሓዝ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዘናዎሖ ምግላፁ ንባዕሉ ግሉፅነት ዘይብሉ ድሒሩ ዝሃቦ መግለፂዉን እንተኾነ ቡዙሕ ሓድሽ ነገር ከምዘይብሉን ድሕሪ ምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ቀንፃሊ ፍትሒ ንኽረጋገፅ ቃልሱ ንኸጠናኽር ፀዊዓ ፡፡ 


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of