ሶርያ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ታባታት ጎላን ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ፀዊዓ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣሜሪካ ንታባታት ጎላን ከም ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ጌራ ኣፍልጦ ምሃባ ተቐባልነት ዘይብሉን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን ምኻኑ ዝገለፀት ሶርያ ባይቶ ፀጥታ ኣብቲ ጉዳይ ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ፀዊዓ፡፡

ነቲ ፃውዒት ስዒቡ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ህፁፅ ኣኼባ ክግበረሉ ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ፡፡

ኣፍልጦ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንታባታት ጎላን ካብ ሃገራት ዓረብ ሓሊፉ ፣ሩስያ ፣ብሪታንያ፣ ፈረንሳይ ፣ጀርመን ፣ቤልጀም፣ቻይናን ፖላንድን ተቓዊሞም እዩ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0