ስዑዲ ዓረብ ንሓላፊ ስለያ ሃገራ ንዝነበሩ ትሃድኖም ኣላ፡፡

ዓብዪ በዓል ስልጣን ፀጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩን ምስ ትካል ስለያ ዓዲ እንግሊዝ ‘ኤም ኣይ 6 ‘ ብምትሕብባር ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምብርዓን ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ካብ ሱዑድ ዓረብ ብምዉፃእ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዑቕባ ምሕታቶም ስዒቡ ሻቕሎት መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብ ሰማይ ዓሪጉ’ሎ፡፡

ልዑልን ወራሲ ዓራትን ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን  ሓላፊ ስለያ ሃገሮም ንዝነበሩ  ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምዉዓልን ናብ ሃገሮም ዝምለሰሉ እንኮ መንገዲ’ዩ ንዝበለቶ ኣብ ሱዑዲ ንዝርከቡ ንገሊኦም ደቆምን ስድራቤቶምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምዉዓል ጅሆ ሒዛቶም ከምዘላ ቢቢሲ ፀብፂቡ’ሎ፡፡

 ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ኣብ ትካል ስለያ ስዑዲ ዓረብ የገልግሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንኣልቃይዳ ኣብ ምንብርካኽ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሓያሎ ፃዕሪ ምስ ትካላት ስለያ ኣመሪካ ፣ ካናዳ፣ እንግሊዝን ኣውስትራልያን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮምን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበሩን ቢቢሲ ወሲኹ ገሊፁ፡፡


0