ስነ-ስርዓት ክታም ሰነድ ቃል ኪዳን ሓበራዊ ኣሰራርሓ ውዳባት ፖለቲካ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡን ንኢህኣዴግ ወኪሎም ዝፈረሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሕዚ ውድባት ፖለቲካ ዝተፈላለዩ ስምምዓት እኳ ከቲሞም ተነበሩ ንኹሎም ውድባት ዘሳተፈ ኣይነበረን ምስበሉ እቲ ናይ ሎሚ ስምምዕ ግን ንልዕሊ 100 ውድባት ፖለቲካ ዘሳተፈ እዩ ኢሎም፡፡

ኣመራርሓ ውድባት ፖለቲካ ፅባሕ ህዝቢ ዝመርሑ ስለ ዝኾኑ ዝሓለፈ ካብ ምውቃስ ወፅዮም ምስ ኩሉ ክሰርሑ ይግባእ እውን ኢሎም፡፡

ኣብ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ናይ ኩሎም ኢትዮጵውያን እምበር ናይ ሓደ ክልል ስለዘይኾነ ህዝቢ ብምስታፍ ኣብዝሓ ህዝቢ ዝመረፆ ክኾን እዩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ን1ሚኢቲ ውድባት ፖለቲካ ምሕጋዝ ክፅግም ስለዝኽእል ናብ ሓደ እንተተኣኪቦም ግን ሓገዝ ንምግባር ቅሩብ እዩ ምባሎም ኤፍ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of