ሳለም ትግራይ ዝያዳ ንምዉሓስ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ኽቕፅል’ዩ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ  28/06/2012) ኣብ ክልልና ንዘሎ ዉሑስ ሰላምን ምርግጋዕን ዝያዳ ንምጥንኻር 407 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 2,500 መላምል ህዝባዊ ፖሊስ ሎሚ ተመሪቖም፡፡

እዞም ሎሚ ዝተመረቑ መላምል ፖሊስ ንኣስታት 5 ኣዋርሕ ጉቡእ ፖሊሰዊ ስልጠና ክወስዱ ከለምዝፀንሑ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሰላሰለ ስነ ስርዓት ምረቓ መላምል ፖሊስ ዝተረኸቡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴን ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ክልልና ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ኣብ ክልልና ንዘሎ ሃጓፍ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ከምዝቐርፍን ህዝቢ ካብ ፖሊስ ንዝደልዮም ፖሊሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምምላእ እጃሞም ንኽፍፅሙ ሓላፍነት ድሕሪ ምስካም ኣብ ክልልና ሰላም ትግራይ ዝያዳ ንምዉሓስ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝስራሕ ሓቢሮም ክብል ንቲ ስነስርዓት ዝተኸታተለ መሳርሕትና ጋዜጠኛ ፍስሃ ገብረኣብዝጊ ፀብፂቡ፡፡


0