ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምውፃእ ንኣመሪካውያን ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  06/06/2012)ጊዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ብሑቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ንዝተኸሰሰሉን ኣብ ባሕሪ መዝገብ ምፍጣር ግብረ ራዕዲ ካብ ዝሰፈረትሉ ንምዉፃእ ዘኽእላ ንቤተሰብ ናይቶም ኣብ የመን ዝተቐተሉ ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ።   እቶም 17 ኣመሪካውያን ባሕረኛታት ኣብ ሓንቲ የመናዊት ወድብ  ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ  ኣብ መርከቦም ከለዉ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቐተሉ ኣባላት ብመንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ ካሕሳ ንኽትከፍል ንዝቐረበላ መጠን ካሕሳ ከም ትሕጃ ቅድመ ኩነት’ያ ተቐቢላ ዘላ፡፡  ሱዳን ክንደይ ዝኣከል ገንዘብ ከምእትኸፍል ግን ዝተገለፀ ነገር የለን ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።


0