ሱዳናውያን ብወታደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝተኣወጀ እዋን እቶ እቶ ተቓዊሞም፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 04/08/2011) ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ዑመር ኣልበሽር ብምእላይ ስልጣን ድሕሪ ምቁፅፃር ን3 ወርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ እዋን እቶ እቶ ምንባሩ ይዝከር፡፡

ብርክት ዝበሉ ሱዳናውያን ነቲ ዝተቐመጠ ሰዓት እቶ እቶ ብምንፃግ እቲ ወታደራዊ መንግስቲ ኣካል እቲ ዝፀንሓ መንግስቲ ምዃኑ ኣብ ምግላፅ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪካን ሰልፈኛታት ኾይኑ ኣካላት ፀጥታ ካብ ስጉምቲ ሓይሊ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of