ሰንድቕ ዓላማና ንልዕልነት ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትናን ሕገ መንግስትናን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 12 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ሰንድቕ ዓላማ ብድሙቕ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እቲ መዓልቲ ሰንድቕ ዓላማ ብድሙቕ ንምኽባር ከም ከተማ ናይ ባዕሉ ስራሕ ሓላፍነት ዘለዎ ኮምቴ ተጣይሹ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎን ፣ተመሃሮ ኣብ ሰንድቕ ዓማ ዘለዎ ግንዛበ ንክዓቢ ሕቶን መልስን ንምክያድ ፣ሰራሕተኛ መንግስቲ መልእኽቲ ሰንድቅ ዓላማ ብሰልፊ ዝርድኣሉ መድረኽ ምይይጥ ዝካደሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት መምህር ሓዳስ በርሀ ገሊፀን፡፡

ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉን ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባት ዝገልፅን ባንድራ ትርጉሙ ብኣግባቡ ብዘይምርዳእ ኣብ ገለገለ ትካላት ሰንድቕ ዓላማ ሰቒልካ ዘይምውራድ ተቐዳዲዱ ረሲሑን ዝረኣየሉ ኩነታት ከምዘሎን ነዚ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ንሰንድቕ ዓላማ ዝግባእ ኽብሪ ክህብ ይግባእ ክብሉ እውን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት መምህር ሓዳስ ኣተሓሳሲበን ይብል ክኢላ ፕረስ እቲ ክፍለ ከተማ ሓድነት ተኽለማርያም ኣስመላሽ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of