ሰራዊት ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ንመዕረፎ ነፈርቲ ከተማ ኤደን ኣብ ቁፅፅር ኣእትዮማ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/12/2011)ሚኒስተር ሓበሬታ እቲ መንግስቲ ምዓመር ኣል ኣርያኒ ኣብ ገፅ ቲዊተሮም ከም ዝፀሓፍዎ እቲ መዕረፎ ካብ ቁፅፅር ደብባዊ የመን ንምግንፃል ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ሓራ ከም ዝወፀ የመላኽት፡፡

እቶም ሚኒስተር ካብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ብተወሳኺ ከባብታት ወደባዊት ከተማ ኤደን ናፃ ንምግባር ሰራዊት መንግስቲ ወፍሪ ምክያድ ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡

ነበርቲ ከተማ ኤደን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓትን ቶኽሲ ልውውጥ ምንባሩ ንሮይተርስ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments