ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሸተይን ማእኸለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትሪ ክልል ትግራይ መንግስቲ ክልልና ኣብ ዝገበሮ መፀዋዕታ ምትእኽኻብ እቶት ክሳተፉ ወሲኖም

መንግስቲ ባይታ ጠለብ ልምዓት ሕብረተሰብ ንምምላእን ፣ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምስላጥ፣ ኢንቨስትመንት ክልልና ንምትብባዕን ንምንቅቓሕን ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ትግራይን ንክሳተፍ ብዝፀዎዖ መሰረት 80 ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትሪ  ክልል ትግራይ ብሙሉእ ፍቓድን ድሌቶምን ካብ 5 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ወሲኖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት ብኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ዝዓበየት ፣ድሕንነታን ሃለዋታን ዝተረጋገፀላ፣ ብልፅትን ምዕብልትን ትግራይ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ርብርብ ከም ሰራሕተኛታትን ዜጋታትን መንግስትና ንዝሓቶ ኩሉ ድልዋት ኢና ኢሎም ይብል ዳሬክተር ዳሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ዳዊት ገብረፃዲቕ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of