ሰራሕተኛታት ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ንልምዓት ትግራይ ካብ 10 ክሳብ 50 ሚእታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ኣወፍዮም።

መንግስቲ ትግራይ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ንዘቕረቦ ፃውዒት ምትእክካብ እቶት ኩሎም ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ከምዝተቐበልዎ ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት እዚ መበዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካብ 10 ክሳብ 50 ሚኢታዊ ወርሓዊ መሃየኦም አነተወፍዩ ሙሉእ ወርሓዊ መሃየኦም ንመርሃ ግብሪ መተኣካከቢ እቶት ትግራይ ዝሃቡ ሰራሕተኛታት እውን ምህላዎም እቲ ቢሮ ዝልኣኾ ሓበሬታ የመላክት።

ሰራሕተኛታት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ካብ 10 ክሳብ 30 ሚኢታዊ ካብ መሃየኦም ንትግራይ ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ንምውፋይ ቃል ምእታዎም ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ዜና ልዕሊ 171 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ” ብዝብል ብብርኪ ክልል ንዝቐረበ ፃውዒት ምትእክካብ እቶት  ካብ 5 ክሳብ 10 ሚኢታዊ ካብ ወርሓዊ መሃይኦም ክልግሱ ቃል ኣትዮም እዮም።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of