ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ተጎዓዚ ሓፂር-ርሕቐት ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊፃ።

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) ሰሜን ኮርያ ካብቲ ዎንሶን ዝበሃል ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ እያ ነቶም ሚሳይላት ሓሙስ ንጉሆ ናብ ባሕሪ ተኩሳቶም።

ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ ከምዝበልዎ ሓደ ካብቶም ሚሳይላት 690 ኪሜ ዝተጉዓዘ ክኸውን ከሎ ሓድሽ ቅዲ ዘለዎ ዓይነት ሚሳይል እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ካብ ዝራኸቡ ናብዚ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን እያ ሚሳይላት ተኲሳ።

እዚ ምትኳስ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ በቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ከካይደኦ ትልሚ ሒዘናሉ ዘለዋ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ተቖጢዓ ኣብ ዘላትሉ እዋን ዝተፈፀመ እዩ።

እዚ ሓበራዊ ልምምድ ብዛዕባ ኒዩክሌር ንዝግበር ልዝባት ዳግም ኣብ ምጅማር ዝሃሲ ምዃኑ ዝተገለፀ ኮይኑ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብ 50 ኪሜ ብራኸ 430 ኪሜ ርሕቐት ምስተጉዓዙ ናብቲ ባሕሪ ጃፓን ወይ ከኣ ምብራቓዊ ባሕሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ከምዝወደቑ ተገሊፁ።

ኣብ እዋን ምትኳስ እቶም ሚሳይላት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ዘይተፈለጠ ኮይኑ ሰሜን ኮርያ ነቲ ዘሎ ምትፍናን ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ክትቁጠብ ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝፀወዐ ሮይተርስ ፀብፂቡ’ሎ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of