ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ 16 ኤፍ 25 ዝተበሃላ ነፈርቲ ኹናት ንምዕዳግን 23 ነባራት ነፈርቲ ንምምሕያሽን ብ4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ፈፂማ፡፡

እቲ ስምምዕ ኣብ ታሪክ ንጉሳዊ መንግስቲ ሞሮኮ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ኤጀንሲ ምትሕብባር ድሕንነት ምክልኻል ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ስምምዕ ምስ ሞሮኮ ከምዝኣሰረ ገሊፁ፡፡

እቲ መሸጣ ንፖለቲካዊ ምርግጋዕን ኢኮኖምያዊ ዕቤትን ሞሮኮ ዓብይ እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ ዓቕሚ ምክልኻል እታ ሃገር ዘመሓየሸ ምዃኑ  እውን ነቲ ኤጀንሲ ፀሪሑ ሚድል ኢሳት ሞኒተር ፀበፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of