ራብዓይ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ኢህወዲግ ካብ 19 ክሳብ 21 ጥሪ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዋሳ ክካየድ እዩ፡፡

እቲ ጉባኤ ንምክያድ ዘክእል ምድላው ከም ዝተወገነን ተወከልቲ ኣርባዕቲኦም ብሄራዊ ውድብን ላዕለዎት ኣመራረሓ ኢህወዲግን ክርከቡ እዮም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ውሳነታት 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ብምግምጋም ጥንካረታት ብምግፋሕ ሕፅረታት ዝእረምሉ ኣንፈታት ከቕምጥ እዩ፡፡

እቲ ሊግ ተጠናኺሩ ብምውፃእ ኣብ ተሳትፎን ከምኡ እውን ምህናፅ ስብእና መናእሰይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዱ ክሰርሕ ዘኽእሎ ውሳነ ኣብቲ ጉባኤ ከሐልሕ ትፅቢት ይግበር ይብል ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ፀብፃብ ሓበሬታ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of