ሩስያ ሒዛተን ዝፀንሐት መራኽብ ዩክሬን ክትምልስ ምዃና ኣፍሊጣ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  10/03/2012)ሩስያን ቱርክን ኣብ መንጎኣን ዝተፈጠረ ጎንፂ ተራኺበን ንምፍታሕ ኣብ ዝዳለዋሉ እዋን ሩስያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒላተን ዝፀንሐት መራኽብ ዩክሬን ሎሚ ናብ ሃገረን ከምእትምልስ ኣፍሊጣ ኣላ፡፡

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘወዓለተን 3 መራኽብ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገልግል ፀቢብ መተሓላለፊ መስመር እዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ተታሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 24 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣካል ልውውጥ እሱራት እተን ሃገራት ኮይኖም ከምዝተለቐቑ ዝዝከር እዩ፡፡

ን5 ዓመታት ዝዘለቐ ጎንፂ ሩስያን ዩክሬንን ሓዱሽ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድምይር ዘለንስኪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፀኦም ክልቲአን ሃገራት ናብ መንገዲ ሰላም ይምለሳ ምህላወን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of