ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ዝተጉዓዘ ጋዜጠኛ ETV ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ኢንግሊዝ ሎንደን ምስኣተወ ንልእኽቶ ዋኒን ETV ራሕሪሑ ኣብታ ከተማ ከምዝተሰወረ ተረጋጊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  13/05/2012)104.4 ሬድዮ FM መቐለ ንመቕርብ ETV ብምዉካስ ከምዘረጋገፆ ምክትል ኣርታዒ (ኤዲተር) ክፍሊ ዜና ቋንቋ ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ ቢላል ወርቁ ኣብ ከተማ ሎንደን ዝተጉዓዘሉ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ንዝሳለጥ ዋዕላ  ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪካ ንምፅብፃብ እኳ እንተነበረ ንዝተዉሃቦ ዕማም ብምርሕራሕ ኣብ ከተማ ለንደን ከምዝተሰወረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

          ኣብዚ ሐዚ እዋን ከይዲ እቲ ዋዕላ ብበዓል ሞያ ካሜራ ኣንተነህ መኮነን ንዝተቐረፀ ሰነድ ፊልም ናብ ETV ይልእኽ ከምዘሎን ከይዲ ዉዕሎታት ፀብፃብ ኢቲ ዋዕላ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ማእከናት ዜና ንዝተፀብፀቡ እንዳተሓገዘ ካብ ኢቲቪ ይቐርብ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

          ብመሰረት እዚ ክስተት ኣብ መሪሕነት ETV ዓብይ ምድንጋፅ ፈጢሩ ከምዘሎ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣረጋጊፁ’ሎ ፡፡


0