ምስ መስራቲ ዊክሌክስ ጂልያን ኣሳንጅ ጥቡቕ ርክብ ነይርዎ ዝተበሃለ ውልቀ ሰብ ካብ ኢኳድር ክወፅእ ከምዝተተሓዘ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ገሊፁ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 04/08/2011) ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ኢኳድር ማርያ ፖውል ሮዋ ሽም እቲ ውልቀ ሰብ ከይገለፃ ንጉዳያት ምፅራይ ከምዝተተሓዘ ተዛሪበን፡፡

ሽሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ሓደ በዓል መዚ ኤኳድር እቲ ውልቀ ሰብ ኣላ ቢኒ ዝተበሃለ ስዊድናዊ ሰናዒ ሶፍትዌር ምዃኑ ንኣሶሼትድ ፕረስ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ን7 ዓመታት እንግሊዝ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዳር ኣዕቑቡ ዝፀንሓ ጂልያን ኣሳንጅ ኣብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓሉ ኣብ ሒደት ሰዓታት ውሽጢ ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ናብ ጃፖን ነቒሉ ምንባሩ እተን ሚኒስተር ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of