ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ዓቃባዊ ሰልፊ ተዛዚሙ፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ ዓቃባዊ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ብዓብላሊ ድምፂ ተዓዊቱ።

           ኣብዚ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ ዓቃባዊ ሰልፊ 364 መናብር ብምርታዕ  ካብ ናይ 2017 ዓ.ም.ፈ ተመሳሳሊ እዋን ዝተኻየደ ምርጫ ብ 45 ብልጫ ኣርእዩ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ ።

          ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ 203 ፣ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ 48 ፣ ሊበራል ዲሞክራቲክ 11 መናብር ንምዉናን ድምፂ እንትረኽቡ ሰልፊ ብረግዚት ግን ዛጊድ ድምፂ ኣይረኸበን ።

          ሰልፊ ዕዮ ካብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ምርጫ ብ65 መናብር ክንኪ ከሎ ዓቃባዊ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ግን ኣፍቲ ትማሊ ዝተሰላሰለ ሃገራዊ ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ ብዓብላሊ ድምፂ ከምዝተዓወተ ተሓቢሩ ።

             መራሒ ሰልፊ ዕዮ [ሌበር ፓርቲ] ጀርሚ ኮርቦይን ነቲ ውፅኢት ምርጫ “ብጣዕሚ ዘጕሂ” ክብል ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ዝመፅእ ምርጫ ከምዘይሳተፍ እውን ገሊፁ።

           ሓላፊት ሰልፊ ሊበራል ደሞክራቲክ ጆ ስዊንሰን’ውን እቲ ሒዛቶ ዝነበረት መንበር ብሃገራዊ ሰልፊ ስኮትሽ ከምዝተመንጠለ ኣፍሊጣ’ላ።

            ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ብዛዕባ እቲ ውጽኢት ምርጫ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዓቃባዊ ሰልፊ ንዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከውጽእ ሓያል መዝነት ከምዝተዋህቦ ድሕሪ ምግላፅ ለይትን መዓልትን ብምስራሕ ህዝቢ ንዘሕደረሉ እምነት ከምዝትግብርን ንዚ ክዉን ንምግባር ገለ ምቅይያር ሚኒስተራት ከምዝገብርኣመልኪቱ ።

          ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ገዚፍ ስዕረት ከቢድ ስንባደ ተፈጢሩ ከምዘሎ’ውን ገሊፁ’ሎ ቢቢሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of