ምምዕባል ሓይሊ ዩራኒየም ኢራን ዝተቐመጠላ ገደብ እንተሓሊፉ ብሓዊ ከም ምፅዋት እዩ ዝቑፀር ክብሉ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቆም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 25/10/2011)ፕረዝደንት ሃገረ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ንምምዕባል ሓይሊ ዩራንየም ዝተቐመጠላ ገደብ ምሕላፍ ብሓዊ ምጭዋት እዩ ክብሉ ዝፈከሩ እንትኾኑ እዚ ዝበሉሉ ምኽንያት ድማ ብኣቆፃፃር ኣውሮፖውያን 2015 ዝተቐመጠላ ካብ 300 ኪሎ ግራም ንላዕሊ ዝምዘን ዩራንየም ንከይተምርት ዝክልኽል ገደብ ምጥሓሳ ምስተገለፀ እዩ፡፡

ኢራን ዝተቐመጠላ ገደብ ምሕላፍ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍል ዝጠቐሱ እቶም ፕረዝደንት ካብዚ ተግባር እዚ ንክትቁጠብ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እተውድቆ ኢኮኖሚያዊ ማዕቐብ ኣጠናኺራ ክትቕፅል እያ ኢሎም፡፡

ነዚ ኣመልኪቶም መልሲ ዝሃቡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን መሃመድ ጃቫድ ዘሪፍ ብወገኖም ኢራን ኣብ ምምዕባል ሓይሊ ዩራንየም እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ዝተቐመጠላ ገደብ ዝጥሕስ እንተይኮነስ ካብ ኣሜሪካ ዝፍነወላ ዘሎ ዓፀፋዊ መልሲ ንምሃብ እዩ ዝበሉ እንትኾኑ ፣ሩስያ ድማ ምኽንያት ምጥሓስ ኢራን ዝተቐመጠላ ገደብ ምምዕባል ሓይሊ ዩራኒየም ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እትገብሮ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ውፅኢት እዩ ኢላ፡፡

ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዶባ ጥሒሳ ስለላ ተካይድ ዝነበረት ሰብ ኣልባ ነፋሪት ኣሜሪካ ጥቕዓት ፈፃማ ከምዝነበረት ይዝከር እዩ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of