ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣብ 12 ወረዳታት ትግራይ ንኣባፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ዕደላ ኣይረን ፎሊክ ብዕሊ ጀሚራ፡፡

እቲ ብሓገዝ ገንዘብ nutrition international ብማረት ኣቢሉ ኣብ 12 ዝተመረፃ ወረዳታት ትግራይ ዝወሃብ ሓገዝ ን2 ዓመት ዝፀንሕ እዩ ፡፡

መተሓባበሪ ስነ-ተዋልዶ ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ኣይተ ታፈረ ገብረገርግስ ኣይረን ፎሊክ ኣብ ጥዕና እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣሉታዊ ፅልዋ ክምዘይብሉን ከም ተወሳኺ ምግቢ ኮይኑ ምዕሩይ ዕቤት ኣካላት ክህልወንን ኣብ እዋን ወሊድ ካብ ዘጋጥም ሓደጋ ምፍሳስ ደም ዝከላከልን እዩ ኢሎም፡፡

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣይተ ገብረህንፃ ገብረመስቀል ብወገኖም ኣብታ ወረዳ ኣብ 39 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ ኣስታት 10 ሽሕን 300 ዝኾና ኣባፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ኩለን ኣይረን ፎሊክ ንክረኽባ ምድላዋቶም ከም ዝወገኑ ሓቢሮም ክብል ርክብ ህዝቢ ማረት ገብረሂወት ገብሩ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of