ሚኒስትር ገንዘብን ኢኮኖሚን ፈረንሳይ ብሩኖ ሌሜር ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

(ኤፍኤምመቐለ  15/11/2011)ብሩኖ ሌሜር ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዑደት፣ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ.ም ኣብዛ ሃገር ንዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ስዒቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ብምርኻብ ልዝብ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ዘተ፥ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዓሊመን ዝተፈራረማሎም ሰነዳት ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምእታው ኣብ ዘኽእል ኩነታት ትኹረት ከምዝገበር ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብሩኖ ሌሜር፥ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዑደት፥ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲታት ምክልኻል ሃገር፣ ህዋ ሳይንስ፣ ኢኮኖሚን ወዘተን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ሰምምዕነት ምፍርራመን ይዝከር ይብለ ፀብፃብ ኤፍ ቢ ሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of