ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ “ቐጠር ንተቓውምቲ መንግስቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ” ክብል ንዘቕረቦ ክሰ መንግስቲ ኳታር መግለፂ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ክዉንነትን ሓቅን ዝረሓቐ’ዩ ክብል ነፂግዎ ፡፡

    (ኤፍኤምመቐለ  22/03/2012መንግስቲ ኤርትራ – ሱዳን ከም መድረኽ ሽበራዊ ሸርሕታት ኣብ ዝጸበበሉ እዋን “ቐጠርን ከደምታን” ሻቕሎቶም ይዓርግ ኣሎ ክብል ብመንገዲ  ምኒስትሪ ዜና ዘዉፀኦ መግለጺ ፡ ኳታርን መሻርኽታን ንፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራን፡ ንመንእሰያት መሳርዖም ብምዉድዳብ ንክነዓዓቡ ክትድግፎምን ከምዘንቀደት ይኸስስ።

    ኳታር ኣብ እስላማውያን ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታት ብምዝራእ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀቢላዊ ጽልኢ ብምስራጽ፣ ንኣስላም ኣንጻር ካልኦት ምንዕዓብን ተጻባኢ ዜና ብምጽዓቕን ትሰርሕ ከምዘላ ዝኸሰሰ መንግስቲ ኤርትራ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘርኢ ሰነዳትን ቪድዮታትን ብምስናቕ፤ ኣድማታት ንክካየድ ምትብባዕ፣ ነተጒቲ ምውዳድ፣ ቁጠባዊ መሓውር ምዕናው፣ ከምኡ እውን ንኣገደስትን ጸለውትን ሰበስልጣን መንግስቲ ንምቕታል  ወጢና ትሰርሕ ከምዘላ መንግስቲ ኤርትራ ከሲሱ ።

    ኤርትራ፡ ምስ ቐጠር ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ብምድሳካል ናብቲ ብስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጽሪ ማእከላይ ምብራቕ ፖለቲካ ኣዘንቢላ ከምዘላ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኳታር ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡  ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ንቐጠር ዝኸስስ መግለጺ “ናይ ሓሶት ክሲ” ብምባል ነጺጉዎ።

        “ቐጠር ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጉጅለታት ዋላ ሓደ ርክብ የብላን” ድሕሪ ምባል “በቲ ሃንደበት ዝወጸ መግለጺ ከም ዝተገረመ” ገሊጹ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of