ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ጆን ሉክጆክ ብቫይረስ ኮሮና ዓሪፎም፡፡

 ካብ ሞንጎ ግዳይ መልከፍቲ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ዝነበሩ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ጆን ሉክጆክ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝዓረፉ ንማዕከናት ዜና ደቡብ ሱዳን ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ቅድም ክብል ካብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ብዝረኸብዎ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝድሓኑ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ‘ታ ሃገር ዋላ’ኳ ቃሎም ሂቦም እንተነበሩ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ጆን ሉክጆክ ግን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝዓረፉ ተሓቢሩ’ሎ፡፡
ዓሰርተ ሚኒስተራት መንግስቲ ሃገረ ደቡብ ሰዳን ግዳይ መልከፍቲ ቫይረስ ከምዝኾኑ  ዝፍለጥ’ዩ፡፡


0