ሚኒሰተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘትዮም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  15/12/2011)እቲ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ጥዕና ንምጥንኻር ስርዓት ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን መረዳእታ ንምዕባይ ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእሎም እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ዶክተር ኣሚር ኣማን ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝዘተዩ ጎናጎኒ ኣብ ኮንጎ ብራዛቭል ዝካየድ ዘሎ መበል 69 ዓታዊ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኣፍሪካ እዩ፡፡

ካብ ፌደራልን ክልልን ዝተውፃእፅኡ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዙርያ ዘፈር ጥዕና ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፣ዝመፁ ለውጢታት፣ዘጋጠሙ ፀገማትን ቀፃሊ ኣንፈት ፖሊስታትን ዘተ ክካየደሎም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of