ሚልንየም ምፍራይን ምክፍፋልን ደርሁት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ከተማ ሓውዜን፣ ንኣባላት መቐሎ ትርፊ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 05/11/2011) ልዕሊ 16 ሽሕ ደርሆ ብምፍራይ ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከምዘከፋፈለት ብምሕባር፣ ካብዚ ብኦዲት ዝተረጋገፀ ልዕሊ 397 ሽሕ ብር ትርፊ ን155 ኣባል እታ ማሕበር ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ 2ሽሕን 3 ሚኢትን ቅርሺ ከምዘከፋፈለት ገሊፀን፡፡

ሚልንየም ምፍራይን ምክፍፋልን ደራሁ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ከተማ ሓውዜን ፣ኣብ 2011 ዓ/ም ፀገም ማይን መብራህትን ከምዘጋጥምዎን ብፍላይ ብሰንኪ ንኣርባዕተ ወርሒ ተቋሪፁ ዝነበረ መብራህቲ ልዕሊ 47 ሽሕ ኪሳራ ከምዘጋጠማ ዝሓበራ ወይዘሮ ንግስቲ፣ ይኹን እምበር በቲ ፀገም ከይተሰኮና ጀነሬተር ብምክራይ ማይ ብጋሪ ብምምልላስን ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዝተገበረን ፣ዝለዓለ ኪሳራ ከየጋጠመን ንምቁፅፃር ከምዝተኸኣለን ሓቢራ፡፡

ሚልንየም ምፍራይን ምክፍፋልን ደራሁት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ከተማ ሓውዜን፣ ኣብ 2004 ዓ/ም ፣ብ137 ኣባላት ብ17 ሽሕ መበገሲ ካፒታል ውህብቶ ትካላትን ዝተጣየሸት እንትትኮን ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን 155 ኣባላትን ልዕሊ 2 ሚሊዮን ቅርሺ ካፒታል በፂሓ ትርከብ ፣ኣብ ደሞም ኤች ኣይቪ ቫይረስ ብዘለዎም ወገናት ዝተጣየሸት ማሕበር ምዃና ይፍለጥ ይብል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of