መንግስቲ ካብ ተራ ስብከት ስራሕ ወፂኡ ድሕነት ዜጋታቱ ክሕሉ ፃዉዒት ቀሪቡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/05/2012)   ኣብ ልዕሊ 17 ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ደንቢደሎ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዑጡቓት ዝተፈፀመ ጭዉያን ንኣዋርሓ ዝዘለቐ ምዕጋትን ድኹም መስርሕ ፀጥታ መንግስቲ ምህላዉ ብምግላፅ መንግስቲ ብህፁፅ ምላሽ ክህቦም ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ገሊፆም፡፡  ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝተፀወዐን ዝሰላሰል ዘሎን ሓያሎ ህዝቢ ዘሳተፈ ሰለማዊ ሰልፊ  መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እተን ዝተዓገታ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዘለዎ መረዳእታ ኣብ ክንዲ ንቲ ሓቂ ምዝራብ ዝተዋቐዐ ሓበሬታ ምሃቡን ምሕሳዉን ብትሪ ነቒፎም፡፡  መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተራ ዓመፅትን ከተርትን ስጉምቲ ምዉሳድ ዝተስኣኖ ወናኒ ድኹም መስርሕ ፀጥታን እዩ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ኣብ ተራ ስብከት ምዉዓል ገዲፉ ኣብ ልዕሊ ድሕነት ዜጋታት ኣተኩሮ ሂቡ ክሰርሕ ፀዊዖም፡፡ ሓያሎ ህዝቢ ይሳተፈሎም ኣብዘሎ ኣብ ከተማታት ባህር ዳር፣ ደብረማርቆስ፣ ወልዲያ፣ ቆቦ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ዱር ቤቴ፣ ዳንግላ፣ ደብረ ብርሃን፣ ፍኖተሰላምን ካልኦትን ቡርቱዕ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡


0