መንግስቲ ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ናብ መስርሕ ስጉምቲ ምክልኻል ተዝኣቱ ነይሩ ህይወት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ኣይምጠፍአን ነይሩ ተባሂሉ፡፡

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ናብ መስርሕ ስጉምቲ ምክልኻል ተዝኣቱ ነይሩ ህይወት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ኣይምጠፍአን ነይሩ ክብል ላዕለዋይ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር እታ ሃገር ዶክተር ኣንቶኒ ፋውሲ ንመሪሕነት እታ ሃገር ነቒፎም።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ደው ዘብል ስጉምቲ እንተዝወስድ ነይሩ“ግዳይ ሞት ልዕሊ 20 ሽሕ ኣይምተርኣየን ነይሩ፡፡” ኢሉ።

“ካብ መጀመርትኡ ንዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኩሉ ነገር እንተዝዕፆን ነፍስ ወከፍ ሰብ ኽገብሮ ዝግባእ ኣስተምህሮ ተዝወሃቦ ነይሩ እዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ካልእ መልክዕ ምሃለዎ ነይሩ” ዝበሉ እቶም ብዓል መዚ እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ መንግስቲ ኣመሪካ ክወስድ ኣይተርኣየን እዚ ብምዃኑ’ዉን ናብዚ ኩሉ ማሕለኻ ተኣትዩ’ሎ፡፡” ክብሉ ንዝንጉዕ ስጉምቲ መንግስቶም ብትሪ ነቒፎም፡፡


0