መንግስቲ ኢ/ያ ንፀገም ህዝቢ ዝህቦ ኣተኩሮ ኣዝዩ ትሑት’ዩ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  29/03/2012  መንግስቲ ንፀገም ህዝቢ ኣተኩሮ ብዘይምሃቡን ንናይ ገዛእ ርእሱ ዘዉፀኦ ሕጊ ተገዛኢ ብዘይምዃኑ  ህዝቢ ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ከምዝወደቐ ተገሊፁ ፡፡

         ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታሙ ንገለ ነበርቲ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ግዳይ እቲ ፀገምን ንዝኾኑ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ሆቴል ኢንተርኮንቲኔንታል ምክትል ከንቲባ ታከለ ኡማ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ 20/80 ዝወፀሎምን ዝበፅሖምን ልዕሊ 32 ሽሕ ሰብ ዕድል መራሕቲ ስድራ ዛጊድ እቲ ዝበፅሖም መንበሪ ገዛ ብዘይምርካቦም ኣብ ሽግር ወዲቖም ከምዝርከቡ ገሊፆም ፡፡    

        እቶም ሰብ ዕድል ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍፅምዎ ንዝግባእ ክፍሊት ገንዘብ ኣተግቢሮም እንዳሃለዉ መንግስቲ ግን ብመሰረት እቲ ዝኣተዎ ቃል ስርሑን ሓላፍነቱን ክፍፅም ኣይከኣለን ድሕሪ ምባሎም መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ቀዳምነት ሂበ ኽንቀሳቐስ እየ ዋላ’ኳ እንተበለ ኣብ ተግባር ግን ንዉሳንኡ’ዉን ተገዛኢ ንምዃን ተፀጊሙ ከምዘሎ ሓቢሮም ፡፡

         ኣብ መበል 13 ዙር ዕፃ ዝወፀሎም 1,248 ብዓል ስቱዲዮ ፣ 18,823 ብዓል ሓደ ክፍሊ መደቀሲ ፣ 7,127 ብዓል ክልተ ኽፍሊ መደቀሲ  ፣ 5,455 ብዓል ሰለስተ ኽፍሊ መደቀሲ ሰብ ዕድል ዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ግብሪ መንግስቲ ከፈፅመሎም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ፀገም ክራይ ገዛ ወዲቖም ከምዘለዉ ወሲኾም ሓቢሮም ፡፡


1+

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of