መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ጥሒሉ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/05/2012)   መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ምእሳር ኣይዉዕሎን’የ ብምባል ክኹንኖ ዝተሰምዐ ቃል ኣብ ተግባር ግን ከምዘየለን ብምግላፅ ብግብሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝጉሃየን ዓለም ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል (ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል) ገሊፁ፡፡ ዓለም-ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ (ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል)  ትማሊ ኣማስዩ ንዘዉፀኦ ፀብፃብ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ምንክልባት ደገፍትን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት እንዳንሳእረረ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ድማ  ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሰላም ሽልማት ካብ ዝወሰደ ሓደ መራሒ ሃገር ከምዚ ዓይነት ኣነዋሪ ተርእዮ ምፍፃሙ ምሒር ከምዘጉሃዮ ኣረዲኡ። ኣብ ኢትዮጵያ መረፃ ዝካየደሉ ሰዓት እናተቓረበ ኣብ ዝመፃሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ኮነይ ኢሉ ፀቕጢ ክፈጠር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ትካል ዓለም-ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት  ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጥራሕ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ 75 ደገፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮም [ኦነግ] ከምዝኣሰረ  ኣቃሊዑ። ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ትካል ዓለም-ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዲፕሮዝ ሙቸና ኣብ ዝሃብዎ ቃል  “ከምዚ ዓይነት በሃበ -ተረኽበ ዝፍፀም ማእሰርቲ ፤ ቅድሚ መረፃ 2012 ዓ.ም. ሓሳብ ናይ ምግላፅ ናፅነት ምዕፋንን ምጥሓስ መሰል ምውዳብን ምእካብን’ዩ” ክብሉ ብትሪ ኮኒነምዎ።እዚ ኣሰካፊ ማእሰርቲ  “ፍንጫኣ”  ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኦሮምያን ኣሻምቡ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ዞባ ሆሮ-ጉድሩ ወለጋ ከምዝተፈፀመ ዝሓበረ ትክል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ጫልቱ ታከለ ዝተብሃለት ፍልጥቲን ንጥፍትን ፖለቲካ  ኣብ ከባቢ ሆሮ-ጉዱሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንጎሆ ብፖሊስ ተታሒዛ ምስተኣስረት ዛጊድ ከምዘይተፈትሐት ገሊፁ።


0