“መንግስቲ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ከረድእ’የ” ኢሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/07/2012) መንግስቲ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ሓቀኛ መረዳእታ ንኽህልዎ ዘተኮረ ስራሕ ንምስራሕ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ኤጀንሲ ድያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

 ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ከምዝሓበርዎ ቀንዲ ዕማም እቲ ናይ ምእማን መስርሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ግብፂ ዝዝርገሖ ዘሎ ወፍሪ ጉጉይ መረዳእታ ንምእራምን ንምዕራይን ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

 ኣብዚ ዓዉደ ስራሕ እዚ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኣምባሳደር ሃገሩ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀዉዑ ኣይተ መሓመድ እድሪስ በዚን መንግስቲ ብዝጀመሮ መስርሕን ንግጉይ ምንዛሕ መረዳእታ ግብፂ ኣደብ ምትሓዝ ከምዝከኣል ገሊፆም፡፡

 FM መቐለ ኣብ ግድብ ህዳሰ ንምትእትታዉ ባዕዲ ዘፍቀደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣንፈት መስርሕ ሱሉሳዊ ዘተ ከምዘቐየሮን መንግስቲ ኣመሪካ ንረብሓ ግብፂ ደዉ ብምባል ቃልዕ በደል ከምዝፈፀመን ብተደጋጋሚ ከነቃልዕ ምፅንሑ ዝዝከር’ዩ፡፡ 


0