መንግስቲ ንዝኣተዎም ቃል ከተግብር ኣይከኣለን ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/05/2012) መንግስቲ ኢትዮጵያ በትረ ስልጣን ህዝቢ ብሓላፍነት ክርከብ ከሎ ከተግብሮም እየ ክብል ቃል ንዝኣተዎም ኸተግብር  ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ፡፡  ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ከምዝገለፅዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ኽሓኩር ከሎ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሕልና ህዝቢ ዝሰፈሩ ዘይርስዑ ቃላት ንዝኣቶም ከይዘንገዐ ብህፁፅ ኸተግብሮም ከምዝግባእ ሓቲቶም ፡፡  ኣብ ወርሒ ሐምለ 2011 ዓ.ም  ብማዕርግ ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጳያ ዝተሸሙ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ኣብ ፈላማይ ፀብፃብ ስረሖም ዕለተ ሐሙስ 14 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ብዕሊ ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ሐዚ እዋል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ለዉጢ እየ ዝብል ኣካል ብኣኽረርቲ ፖለቲከኛታትን መንነት ብሄርን ተጠላሊጉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከብን እዚ ድማ ብቐንዱ ንመንግስቲ ተሓታቲ ከምዘግብርን ኣረዲኦም፡፡   መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብ ስልጣን ምስ መፀ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ስራሕቲ ምፅራይ ከይተወገነ ከምዘይኣስር ብጥዑም ቃልን ካብ ነፍስ ወከፍ ስነ ሕልና ዜጋ ብዘይሃሱ ኣቀራርባን ዋላ’ኳ ተገሊፆም እንተነበሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብግልባጡ ይትግበሩ ከምዘለዉ ኣቃሊዖም፡፡  ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ብዘሰክሕ ኩነታት ዝቕተልሉ ፣ ዝድፈርሉ ፣ ጉድኣት ኣካል ዝበፅሓሉ ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዝተዓገትሉ ፣ ካብ መረበቶም ዝተመዛበልሉ ፣ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ትምህርቶም ዘቋረፅሉ፣ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተዓፀዋሉ…ማሕበራዊ ፀገማት ዝተመሳቐለሉ እዋን እዩ ዘሎ ዝበሉ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ መንግስቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳተኻረሩ ንዝኸዱ ዘለዉ ጉዳያት መፍትሒ ተዘይገይርሎም ዝኸፍአ ሽግር ኸጋጥም  ከምዝኽእል ኣረዲኦም፡፡


0