መንግስቲ ሊቢያ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሊቢያ ሲርጥ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ፡፡

ማእኸሉ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝገበረ ብወድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊቢያ ነቲ ኣዋጅ ዝኣወጀ ብኮማንደር ካሊፍ ሃፍጣር ዝምራሕ ሰራዊት ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ከተማ ብምንቅስቓሱ እዩ ተባሂሉ፡፡

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ሓይልታት ፀጥታ ንተግባራውነቱ ክሰርሑ መንግስቲ ሊቢያ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብኮማንደር ሃፍጣር ዝምራሕ ጉጅለ ብወገኑ ኣብታ ከተማ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣዋጅ ኩናት በምዃኑ ምላሽ ከምዝህብ ኣጠንቂቑ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0