መንገዲ ፀፀር ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣብያ ፍረወይኒ-ተክሊ ወያነ ሎሚ ተመሪቑ፡፡

ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣብያ ፍረወይኒ-ተክሊ 15 ኪሎሜትሮ ዝንዉሓቱ መንገዲ ፀፀር ብግዱሳት ተወለድቲ እቲ ከባቢ ተሰሪሑ  ሎሚ  ተመሪቁ፡፡

 ብጉልበት ህዝቢ እቲ ከባብን ተወለድቲ እቲ ከባቢ ብዘጣየሽዎ ማሕበር ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ብዝረኸብዎ ቅርሺ ዝተሰርሐ ኮይኑ ልዕሊ 3.7 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ወይዘሪት ራሄል ሃይሉ አብቲ ስነስርዓት ምረቓ ተረኺበን ገሊፀን ኣለዋ ከም ፀብፃብ ማዕከን ዜና ድወት፡፡


0