መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737-8 ማክስ ዝተበሃላ ነፈርቲ ካብ ግልጋሎት በረራ ንክወፃ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 738-8 ማክስ ዝተበሃላ ኣውሮፕላናት ኩለን ንዝተወሰነ ግዘ ካብ ግልጋሎት በረራ ንኽወፃ ምውሳኑ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መንገዲ ኣየር ነዚ ዝወሰነ ቦይንግ 737-8 ማክስ ቑፅሪ በረራ 302 ብዝበፅሓ ሓደጋ ምሕምሻሽ ስዒቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ክሳብ ዝፃረ ንድሕንነት ተጓዓዝትን ጥንቃቐን ብዝብል ቦይንግ 737-8 ማክስ ዝተበሃላ ነፈርቲ ንዘይተወሰነ እዋን ካብ ግልጋሎት ካብ ምብራር ክወፃ ከምዘተገበረ ተገሊፁ፡፡

እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ዝተገዝኣት ምኻና ዝተገለፀ ኾይኑ ብተመሳሳሊ ዜና ቻይና ድማ ዝርከባ ቦይንግ 737-8 ማክስ ዝተበሃላ ነፈርቲ ክሳብ ዘይተነፀረ እዋን ካብ ግልጋሎት ንክወፃ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ፡፡

ቦይንግ 737-8 ማክስ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ ን2 ግዘ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡፡

ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ላየን ኣየር ዝተበሃለ ተመሳሳሊ ሞዴል ነፈርቲ ኢንዶኖዥያ ንበረራ ካብ ዝተልዓለሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቅ ብምሕምሻሻ ሂወት 189 ሰባት ምሕላፉ ዝዝከር እዩ፡፡

02/07/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of