መንቀሊ ሓደጋ ኤም ኤች 17 ዝተበሃለት ነፋሪት ማሌዥያ ከፃሪ ዝፀንሓ ጉጅለ መንነት 4 ተጠርጠርቲ ዕላዊ ጌሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 12/10/2011)ምስቲ ሓደጋ 3 ሩስያውያንን 1 ዩክሬናውን ተጠርጠርቲ ምዃኖም ገሊፁ፡፡

እቶም መውቅዒ ነታ ነፋሪት ሚሳይል ኣቕሪቦም ዝተበሃሉ ተጠረጠርቲ ክሲ ተመሰሪትሎም መትሓዚ ወረቐት እውን ተቐሪፅሎም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ኢጎር ጊርኪን፣ ሰርጌ ዲቢንስኪ ፣ ኣሌግ ፑላትቭን ፣ሊዮኒድ ካርቼንኮን ዝተበሃሉ እዮም፡፡

ካብቶም ውልቀ ሰባት እቲ ሓደ ኣብ ትካል ወታደራዊ ድሕንነት ሩስያ ዘገልገለን ምስ ሰብ መዚ ሩስያ ርክብ ዘለዎን እንትኾን ካሊእ ድማ ምክትል ትካል ድሕንነት ዶኔስክ ኾይኑ ዘገልገለን ይርከብዎም፡፡

ቅድሚ 5 ዓመታት ኣብ ነፋት በረራ ቁፅሪ MH 17 ብዘጋጠመ ሓደጋ ንሕለፈት 298 ሰባት ምኽንያት ምዃኑ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of