መበል 68 ኣኼባ ቤት ምኸሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ሎሚ መዓልቲ ምስላጥ ጀሚሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 12/10/2011)ኣብቲ ኣኼባ ዛዕባ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ትኹረት ብምግባር ከምዝዝትይሉ ተገሊፁ።ብፍላይ ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት፥ ኣብ ጁባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 67 ኣኼባ ሚኒስትራት ኢጋድ እዋን ቅድመ ስግግር ደቡብ ሱዳን ብ6 ኣዋርሕ ንክናዋሕ ዝተወሰነ ውሳነ ኣፈፃፅምኡ ከምዝግምገም ተሓቢሩ።

ጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት ድማ፥ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ግብፂ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝመርሕዎ ዘተ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ቀፃሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments