መበል 45 ዓመት ልደት ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብልዑል ድምቀት ንምፅምባል ምድላዉ ይካየድ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/05/2012)መበል 45 ዓመት ልደት ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ክሳብ ሕዚ ዓብዪ ኮሚቴ ብመሰረት ዝተቐመጠ ፕሮግራም ካብ ኣርባዕተ ለካቲት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከምዝእቶ ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣፍሊጡ ።

        ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ በዓል መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ሓደ ወርሒ ንዝተረፎ ፕሮግራም ዝተፈፀሙ መደባት ለካቲት ብዝዓሞቐ ኣገባብን ዓብዪ ቦታ ብምሃብ ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ  ከምዝግምገሙ ኣካቢ እቲ ዓብይ ኮሚቴ ብዓል ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ንዝሃብዎ መግለፂ ብምጥቃስ ወይን ፀብፂቡ ።

            ኣብዚ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ፣ “ተሪፎምና ዘለዉ መደባት ለካቲት ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ከመይ ገይርና ከምእንዛዝሞም መፍትሕታት ዘቕምጥ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ኣለም፣ ብመሰረት እዚ ነብሲ ወከፍ ኮሚቴ ዝሓዘቶ ስራሕ ብዝርዝር እናቕረበት ከምዝግምገም ኣረዲኦም።

ብኮሚቴታት ምውዳእ ዘፀግሙ መደባት እንተሃልዮም ተፈልዮም ክቐርቡን እቲ ዓብዪ ኮሚቴ መፍትሕታት ከምዝግበርን እውን ኣይተ ኣለም ኣመልኪቶም።


0