መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣሜሪካ ኣብ ኒያሚ ኒጀር ይሳለጥ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 27/10/2011) ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፌደሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ እውን ኣብቲ ኣኼባ እናተሳፈ ይርከቡ፡፡

መበል 35 መደበኛ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ብዋናነት ካብ ዝዝተየሎም ጉዳያት ምፅዳቕ ኣወዳድባ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ በጀት 2020 እቲ ሕብረት ምፅዳቕ ፣ተመን መዋጮ ፈንድ ሰላም ዘቲኻ ምውሳን ዝብሉ ጉዳያት እዮም ተባሂሉ፡፡

ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 2020 መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ ምዝታይን ዝተፈላለዩ መረፃታት ምክያድን ኣጀንዳ መበል 12 ህፁፅ ኣኼባ መራሕቲ ዘቲኻ ምፅዳቕን ኣብ ዝብል ዛዕባታት ክዝቲ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of