መስተታት ኣልኮል ብብሮድካስት ሚዲያ ከይላለ ዝኽልክል መምርሒ ካብ ሎመዓንቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኾን እዩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 21/09/2011) ኣዋጅ ቁፅሪ 1112 ምምሕዳር ምግብን ኣፋውስን ኣብ ዝሓለፈ 21 ለካቲት ብነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ዝወፀ ኾይኑ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዓንቀፅ 74 ንኡስ ቁፅሪ 4 ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መስተታት ብሬድዮን ቴሌቭዥንን ከይላለዩ ዝኽልክልን መምርሒ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ሚኒስቴር ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እቲ መምርሒ ካብ ሎመዓንቲ ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ኣልኮላዊ መስተ ብምልክታ ምልላይ ከምዘይከኣልን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ቢል ቦርድታት መላለዩ ኣልኮላዊ መስተታት ክለዓሉ ከምዝግበኦምን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of