መርገፅን ርእይቶን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይተ ለማ መገርሳ መርገፅ ውልቆም ዘይኮነስ፡ መርገፅ ኣብዝሓ ህዝቢ ኦሮሞ ምዃኑ ክፍለጥ ኣልዎ ክብሉ ሙሁር ሕግን ተወላዲ ብሄረ ኦሮሞን ኣፍሊጦም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/03/2012    ኣብ ዋሽንግተንን ዩኒቨርሲቲ ሊን መምህር ዝኾኑ ዶክተር ሄኖክ ገቢሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይተ ለማ መገርሳ ከም ኦዲፒ ዝበለ ውድብ ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ምትዕራቅ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮም ብምግላፅ፡ ናቶም መርገፂ፡ ንናይ ደገፍቶም መርገፂ ከምዝልውጦ ኣረዲኦም፡፡

               ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይተ ለማ ንዝሓዝዎን ዝገለፅዎን መርገፅ ዕሽሽ ምባል፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ዝሓበሩ ዶ/ር ሄኖክ ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ነዚ ሓቂ እዚ ዘይቕበሉ እንተኾይኖም ንሕቶን ድልየትን ህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን እታ ሃገር ክምልሱ ስለዘይኽእሉ ሳዕቤኑ ካልእ ክኸዉን ከምዝኽእል ኣገንዚቦም፡፡

     ውህደት ንሕቶን ድሌትን  ህዝቢ ኦሮሞ ይምልስ እዩ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም ዝሓበሩ ዶ/ር ሄኖክ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ምርድዳእ እንተዘይተፈጢሩ፡ ፖለቲካ እታ ሃገር ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቶም ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ “ምናልባት ኣይተ ለማ መገርሳ ብገዛእ ፍቓዶም ስልጣኖም ከረክቡ ይኽእሉ እዮም፤ እዚ ማለት ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ናብ ደምበ ተቓውሞ ከምዝተፀምበሩ እዩ ዝቑፀር  ዝበሉ ዶ/ር ሄኖክ

ኣይተ ለማ በዚ መርገፂ ዝሓዝዎ እንተድኣ ቀፂሎም ብኣመራርሓ ለማ መገርሳ ዝኣምኑ ኣካላት ኣዝዮም ቡዙሓት ስለዝኾኑ ዓብይ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ክፍጠር ከምዝኽእልን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ  ኣሉታዊ ፅልዋ ስለዘለዎ ጠንቂ እዚ ዘይምርድዳእ ዝኾነ ውሳነ ውህደት፡ ዳግማይ ክረአ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ሓቢሮም።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of