መራሒ ውድብ ተቓውሞ ቬንዙዌላ ሁዋን ጉይዶ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ናብ ኲናት ሕድሕድ ከምርሕ ይኽእል`ዩ ንዝብል ርኢቶ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ነፂጎም።

ጉይዶ ንዓርሶም ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ምካኖም ምእዋጆም ስዒቡ ንኣሜሪካ ሓዊስካ ድማ ካብ ሓያላን ሃገራት ዓለም ድጋፍ ረኺቡ`ሎ።

ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ኲናት ክህሉን ዘይይህሉን ኣብ `ዕብዳን` ኣሜሪካን መሻርኽታን`ዩ ዝምርኮስ ዝበሉ ኮይኖም ሚስተር ጓይዶ ግን ነዚ ኣበሃህላ ናይ ፕረዚደንት ማዱሮ `ምህዞ` እዩ ብምባል ነፂገሞ።

ልዕሊ ፍርቂ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮፓ ትማሊ ሰኑይ ንሚስተር ጉይዶ ከም ጊዜያዊ ፕረዚደንት ኣፍልጦ ምሃበን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ማድሮ ፀቕጢ ሓይሉ ኣሎ።

እቲ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ፕረዚደንት ማዱሮ ሓድሽ ምርጫ ከካይዱ ብብሪታኒያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ስፔንን ዝተዋህቦም ጊዜ ገደብ ምሕላፉ ዝሰዓበ እዩ ፡፡

ብውሑዱ 17 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮፓ ንጉይዶ ከም ጊዜያዊ ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኣፍልጦ ምሃበን ቢ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡

28/05/2011

Leave a Reply

Your email address will not be published.