መረፃ ሆንግ ኮንግ ምስ ቻይና ዘዋጥጥ ከም ዝኸውን ይግለፅ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  17/03/2012)ደገፍቲ ምምሕዳር ቤጂንግ ዝኾኑ ተወዳደርቲ ክዕወቱ ተስፋ ጌራ ዝነበረት ቻይና እቲ ውፅኢት ከም ዝሓሰበቶ ብዘይምዃኑ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ነቲ ውፅኢት ገዲፎም ኣብ ሆንግ ኮንግ ስርዓት ክሰፍን ምርግጋእ ክምለስ ኣለዎ ዝብሉ ዜናታት የቃልሓ ኣለዋ፡፡

ቻይና ካብ ሆንግ ኮንግ ዝደለየቶም ተጠርጠርቲ ንክትወስድ ዝፈቀደ ሕጊ ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ ንምምሕዳር ቻይና ዘይድግፉ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ተዓዊቶም እዮም፡፡

ኣሜሪካ ንተቓወምቲ ሆንግ ኮንግ ዝድግፍ ሕጊ ዘድቀቐት እንትኸውን ኣሜሪካ ኣብዘይምልከታ ውሽጣዊ ጉዳይ ቻይና ኢዳ ተእቱ ኣላ ብምባል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ንኣሜሪካዊ መዘንኡ መጠንቀቕታ ሰዲድ እዩ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments